ደስታ ኪዳኑ እኑን
- ትውልዲ ቦታ: ኣፅቢ ወንበርታ
- ዕለተ‐ልደት: 29 ሰነ 1990 ዓ.ም
- ዕለተ‐መስዋእቲ: 03 መስከረም 2015 ዓ.ም
- ቦታ መስዋእቲ: ማይ ፀብሪ
ሓፂር ሂወት ታሪክ
ጅግና ተጋዳላይ ደስታ ኪዳኑ እኑንካብ ወላዲ ኣቡኡ ኣይተ ኪዳኑ እኑንን ካብ ኣዲኡ ወይዘሮ ህንፃ ገረዚሄር 29 ስነ 1990 ዓ/ም ኣብ ወረዳ ኣፅቢ ወምበርታ ጣብያ ገብረኪዳን ቁሸት እንዳማርያም ውቕሮ ተወሊዱ። ዕድመ ንእስነቱ ከም ማንም ወዲ ገጠር ንቤቴሰቡ ብምጓሰን ካልኦት ስራሕትን ብምስራሕ ይሕግዝ ነይሩ፡ ስዉእ ተጋዳላይ ደስታ ኪዳኑ ዕድምኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ካብ 1-7 ኣብ ቤት ትምህርቲ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ዓብይ ደራ ካብ 7-8 ድማ ኣብ ከተማ ውቕሮ ቤት ትምህርቲ ሰላም ተኸታቲሉ።ተጋዳላይ ደስታ ኪዳኑ ገና ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ እናሃለወ ትምህርቲ ይትረፈኒ ክሰርሕ እየ ዝደሊ ብምባል ንሓደ ዓመት ዝኣክል ብረዳትንት ክሰርሕ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ 2010 ማንጃ ፍቓድ ብምውፃእ ብሞያ ሽፈርነት እንዳሰረሕ ንባዕሉ ቤቴሰቡን ይሕግዝ ኔሩ እዩ።ስዉእ ተጋዳላይ ደስታ ኪዳኑ ፈታዊ ቤተሰቡ፣ ዓቕላም፣ ሰሓቓይን ለባም ሰብን ምንባሩ መሓዝቱ ይዛረብሉ።ጅግና ተጋዳላይ ደስታ ኪዳኑ ኣብ 2013 ዓ/ም ትግራይን ህዝባን ህልውናኣ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ መሬታ ብወረርቲ ምስተትሓዘ ማሙቕ ህይወቱ ራሕሪሑ ኣብ ጎኒ ህዝቡን ምንግስቱን ደው ብምባል ኩሉ ይትርፈኒ ህይወተይ ንህዝበይ ብምባል ዕለት 19/12/2013 ኣ/ግ ናብ ማእኸል መሰልጠኒ ፈዳይ ሕነ ኣጉላዕ ተፀንቢሩ።ንሓደ ወርሒ ወታደራውን ፖለቲካውን ስልጠና ድሕሪ ምውሳድ ብዝነበረ ሓዱሽ ኣወዳድባ ሰራዊት ትግራይ ብፍሉይ ኮማንዶ ንኽተሰልጥን ብላዕለዎት ኣመራርሓ ብዝወረደ መምርሒ መሰረት ጅግና ተጋዳላይ ደስታ ኪዳኑ ብዝነበሮ ጥንካሬን ምስጉን ፀባዩን ተመልሚሉ ብዕለት 26/01/2014 ዓ/ም ናብ ፈለግ ዳዕሮ ማእኸል መሰልጠኒ ኮማንዶ ኣትዩ። ድሕሪ ናይ ሓደ ወርሒ ስልጠና ሓዱሽ ኣሃዱ ኣርሚ 50 ተመስሪቱ ተጋዳላይ ደስታ ድማ ኣባል ኣርሚ 50 በቲ ናይ ሻቡ ኣወዳድባ ክፍለሰራዊት 01 ኮይኑ ብዕሊ ተፀንቢሩ። ኣብቲ እዋን ንሱ ሰራዊት ትግራይ ብኣንፈት ደቡብ ንማእኸል ሃገር እናገስገሰሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ፀላኢ ብክልል ዓፋር ከባቢ ሽኸት ክመፅእ ትልሚ ሒዙ ስለ ዝነበረ ብዕለት 14/02/2014 ተጋዳላይ ደስታ ኪዳኑ ዘልዋ ኣሃዱ ናብ ምላዛት ምስብፆቱ ተጓዒዙ እዩ። ድሕሪ ናይ ሓደ ወርሒ ፃንሒት ጅግና ተጋዳላይ ደስታ ኪዳኑ ዕለት 14/03/2014 ናብ ኪሓ ብምጉዓዝ ክልተ መዓልቲ ዕረፍቲ ድሕሪ ምውሳድ ዕለት 17/03/2014 ጉዕዞ ናብ ጭፍራ ምሉእ ለይቲ ክጓዓዝ ድሕሪ ምሕዳር 18/03/2014 ንጉሆ 11፥00 ሰዓት ብዕሊ ውግእ ጀሚሩ።ንሰለስተ መዓልቲ ብዘይ ዕረፍቲ ፅዕፁዕን ከቢድን ውግእ ምስ ናይ ተፈጥሮ ፀሓይን ዝነበረ ፈታኒ እዋን ጅግና ተጋዳላይ ደስታ ኪዳኑ ብትብዓትን ጅግንነትን እዩ ትዋፂእዎ። ብደቂ ኣሃዲኡ ድማ ንዝነበሮ ዕዙዝ ተሳትፎ ልዑል ምስጋና ሂቦምዎ እዮም።ብድሕሪ እዚ ካብ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ብዝተውሃበ መምርሒ መሰረት ቦታ ምምሕያሽ ወይ ከኣ ምንስሓብ ኮይኑ ብዕለት 01/04/2014 ካብጭፍራ ናብ ኣብ ሰሜን ዎሎ ሆራ ኣብ ዝበሃል ቦታ ድፋዕ ሒዙ ነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስ ፀላኢ ይከታተል ነይሩ እዩ።ስውእ ተጋዳላይ ደስታ ኪዳኑ ብድሕሪ እዚ ብዕለት 08/04/2014 ጉዕዞ ናብ ትግራይ ኮይኑ ድሕሪ ኣድካሚ ዝኾነ ናይ 04 መዓልቲ ናይ እግሪ ጉዕዞ ናብ ዋጃ ኣትዩ እዩ።ፀላኢ ንዚ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ንትግራይ ዳግም ንምውራር ኣብ ዝተሃንደደሉ እዋን ብዕለት 13/04/2014 ኣብ ስሌን ወሃ ኣብ ዝነበረ ፈታኒ ውግእ ሐዚውን ግደ ተጋዳላይ ደስታ ኪዳኑ ዕዙዝ ነይሩ።ኣፍቲ ኢድ ቢኢድ ኣብ ዝነበረ ውግእ ንክዛዘም ሒደት ደቓይቕ ኣብ ዝተረፎ ካብ ፀላኢ ብዝተቶኮሰ ጥይት ተጋዳላይ ደስታ ኪዳኑ ኣብ ፀጋመይቲ ኢዱ ተወቒዑ እዩ ።ሕክምንኡ ክከታተል ድሕሪ ምፅናሕ ሐዚውን ዝነበሮ ናይ ኣሃድኡ ፍቕሪ ብዕለት 20/08/2014 ብናይ ባዕሉ ፍቓድ ናብ ኣሃዲኡ ኣብ ሃገረሰላም ተፀንቢሩ እዩ።ድሕሪኡ ምሉእ ናይ ኮማንዶ ስልጠና ወሲዱ ብዕሊ ተመሪቑ እዩ ተጋዳላይ ደስታ።ኣብ ካልኣይ ወራር ድማ ጅግና ተጋዳላይ ደስታ ኪዳኑ ብዕለት 14/12/2014 ካብ ሃገረሰላም ብምብጋስ ናብ ባላ ካብ ባላ ድማ ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልቲ ዕረፍቲ ዕለት 17/12/2014 ናብ ፀላኢ ተፀጊዑ ድሕሪ ምሕዳር ዕለት 18 /12/2014 ውግእ ጀሚሩ ብዓወት መሰስ ኢሉ ቆቦ ከተማ ብምቁፅፃር ኣብ ልዕሊ ፀላኢ ሰፍ ዘይብል ኪሳራ ኣብፂሑ እዩ ። ጅግና ተጋዳላይ ደስታ ኪዳኑ ኣብዚ ውግእ ብዝነበሮ ተሳትፎ ናይ ኣዛዚ ጋንታ ሓላፍነት ተዋሂብዎ እዩ፡። ቀፂሉ ድማ ተጋዳላይ ደስታ ኪዳኑ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ መቐለ ዕረፍቲ ብምውሳድ ብዕለት 27/12/2014 ሰዓት 11 ናይ ምሸት ጉዕዞ ናብ ምዕራብ ኮይኑ እዩ.ዕለት 28/12/2014 ሰዓት 8 ለይቲ ምስ ፀላኢ ሓዝ ክሕዝ ኮይኑ ሐዚ እውን ተጋዳላይ ደስታ ዝነበሮ ጅግንነትን ፍፁም ቆራፅነትን ብቓላት ዝግለፅ ኣይኮነን።ብዕለት 29/12/2014 ኣብ ግንባር ፀሊሞይ ፀላኢ ብኣማኢት ኣሸሓት ሰራዊቱ ኣሰሊፉ ዝመፀሉ ግንባር እዩ ።ፀላኢ ሰፍ ዘይብል ከቢድ ሰብኣውን ቁሳውን ኪሳራ ተሰኪሙ ምሉእ ንሙሉእ ዝተደምሰሰሉ እዩ ግደ ተጋዳላይ ደስታ ኪዳኑ ጋንትኡ ሒዙ ብጅግንነት ዓወት ሓፊሱ እዩ።ኣብዚ ሰፍ ዘይብል ኪሳራ ዝገጠሞ ፀላኢ ኣንፈት ብምቕያር ንከተማ ማይ ፀብሪ ንምሓዝ ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ርብርብ ሐዚውን ተወሳኺ ሓይሊ ስለ ዘድለየ ተጋዳላይ ደስታ ኪዳኑ ዝሓዝዋ ኣሃዱ ካብ ደደቢት ናብ ማይ ፀብሪ 02 መዓልቲ ድሕሪ ምጓዓዝ 03 መስከረም ለይቲ ናብ ፀላኢ ተፀጊዖም እምሰዩ። ንፀላኢ ብጣዕሚ ትፀጊዕሞ ስለ ዝነበሩ ምፅገዖም ዝፈለጠ ፀላኢ ብዘደርበያ ናይ ኢድ ቦምቢ ሰዓት 5፥30 ናይ ለይቲ ኣብ ግዳጅ ምስ ብፆቱ እናሃለወ ኣብ መበል 25 ዓመት ዕድሜኡ ምእንቲ ህዝቡን ዓዱን ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ። ስነ ስርዓት ቀብሩ ብፆቱን መራሕቱን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ መቓብር ሃርበኛታት ማይ ፀብሪ ተፈፂሙ እዩ። ንወለዱን መላእ ቤቴሰቡን ንብፆቱን ፅንዓት ንምነ። ክብርን ሞጎስን ንሰማእታትና!!