ብርሃነ ገ/ማርያም መረሳ
- ትውልዲ ቦታ: ስንቃጣ
- ዕለተ‐ልደት: 26 ግንቦት 1992 ዓ/ም
- ዕለተ‐መስዋእቲ: 26 ነሓሰ 2013 ዓ.ም
- ቦታ መስዋእቲ: ዳባት ፍሉይ ቦታ ጭና ተ/ሃይማኖት
ሓፂር ሂወት ታሪክ
ህይወት ታሪኽ ጅግና ተጋዳላይ ብርሃነ ገ/ማርያም መረሳ ተጋዳላይ ብርሃነ ገ/ማርያም ካብ ኣቡኡ ኣቶ ገ/ማርያም መረሳ ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ኣለም መዝገቦ ገ/የሱስ ብ 26 ግንቦት 1992 ዓ/ም ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ፣ ወረዳ ፃዕዳ እምባ፣ ጣብያ ስንቃጣ ፣ቁሸት ዳዕሮ ምዕጉለ ተወሊዱ። ካብ ዝተወለደሉ ከባቢ ናብ ቁሸት ጨመት ወይ ድማ ብተለምዶ እንዳጀወርግስ ብምኻድ ምስ ኣዲኡ ዝዓበየ ኮይኑ ካብ እዋን ቁልዕነቱ ጀሚሩ ብመጓሰ፤ ናይ ሕርሻ ንጥፈታትን ምርባሕ ደርሁን ንስድርኡ ይሕግዝ ነይሩ። ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ኣብ ጣብያ ስንቃጣ ናብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ቅሳነት ኣተወ። ድሕሪ ዝተወሰነ ዓመታት ድማ ናብ ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ት/ቲ ፍረወይኒ ብምዝውዋር ክሳብ 8ይ ክፍሊ ትምህርቱ ተኸታተለ። ብድሕሪ'ዚ ናይ 8ይ ክፍሊ ብሄራዊ ክልላዊ ፈተና መሕለፊ ውፅኢት ብምርካብ ናይ 9ይን 10ይን ክፍሊ ትምህርቱ ኣብ ሓፈሻዊ 2ይ ብርኪ ቤት ት/ቲ ተኽሊ ስውኣት ኣጠናቀቐ። ጎናጎኒ ትምህርቱ ድማ ካብ 14 ዓመቱ ጀሚሩ ብመዳይ ኣትሌቲክስ ምንቅስቃስ ክገብር ድሕሪ ምፅናሕ ብወረዳ ደረጃ ኣብ ዝተገብረ ምፅራይ ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ስለዝዛዘመ ንወረዳ ሳ/ፃ/እምባ ወኪሉ ብ 2010 ዓ.ም ኣብ አክሱም ‘’መበል 5ይ ዙር ውድድር ጋንታታት ጉና ፕሮጀክት ኣትሌቲክስ ክልል ትግራይ’’ ከምኡ'ውን መጋቢት 2012 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ ‘’2ይ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ትግራይ’’ ብ800ሜ ጉያ ርሕቐት ብምስታፍ 3ይ ደረጃ ንምውፃእ በቂዑ ነይሩ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ብ1500ሜ ጉያ ርሕቀት ክገብሮ ዝፀንሐ ቅድመ ምድላው ስዒቡ ካብ ወረድኡ ተወዳዲሩ ብምሕላፍ ብክልል ደረጃ ንምንሕናሕ ኣብ ጫፍ በፂሑ ነይሩ እዩ። ኣብ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም ልፍንታውያን ወረርቲ ሓይልታት ብኹሉ ኣንፈት ዓፅዮም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝኸፈትዎ ዘርኢ ናይ ምፅናት ኲናት በቲ ሞይኡ ኣብ ቅድድም ክቃለስ ዝነበሮ ህርፋን ገዲፉ ክላሽ ክሕዝ ምኽንያት ኮነ። ብፍላይ ድማ እቲ ዝበፅሕ በደል እናተጋደደ ከይዱ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2013 ዓ/ም ኣብ ከተማ ፍረወይኒ ንኣስታት 11 መናእሰይ ዝገበርዎ መርሸንትን ህዝቢ መፁኒ መፁኒ እናበለ መዕቆቢ ስኢኑ እግሩ ናብ ዝመርሖ ፋሕ ብትን እንትብልን ኣብ ዓዱ ኮይኑ ክዕዘብ ዘይደለየ ብርሃነ በረኻ ወፂኻ ምኩሻሕ ይሓይሽ ብምባል ናብ ቃልሲ ክፅንበር ወሰነ። ተጋዳላይ ብርሃነ ገ/ማርያም ሓዊሱ ካልኦት ካብ ከባቢ ከተማ ፍረወይኒ ዝተኣኻኸቡ 28 ሓደሽቲ ምልምል መናእሰይ ብዕለት 06 ለካቲት 2013 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 1፡00 ናይ ምሸት ብመሪሕነት ተጋዳላይ መምህር መብራህቱ ኣለም (ማሰተር)ን መዝገቦን ካብ ፍረወይኒ ናብ ኣንፈት ምዕራብ ደጋምባ ናብ ታዕሊም ተበገሱ። እዞም መሳቱ፡ ደብረ ገርግስ፤ ማይሓንፆ፣ ደብየን፤ ቃረፅ ብምስንጣቅ ብዓብዪ መንቆርቁሮ ጎቦ ብምሕላፍ ጉዕዞ ቀፀሉ። ተጋዳላይ ብርሃነ ገ/ማርያም ዕለት 07 ለካቲት 2013 ዓ/ም ኣብ ግዝያዊ መዐለሚ ቦታ ዕዳጋ ሰሉስ ፍሉይ ቦታ ኣዘባ ዝበሃል ማእኸል መሰልጠኒ ኦርኔል ብምምላእ ዕለት 08 ለካቲት 2013 ዓ/ም ናብ ሬጅመንት ስዩም ሓይሊ ሓደ ብምፅንባር ታዕሊም ጀመረ። ድሕሪ ንእሽተን መዓልቲ ካብ መዐለሚ ማእኸል ኣዘባ ተበገስ ተባሂሉ ናብ ኣንፈት ሓውዜን ብዝወስድ ኮሮኮንጅ ፅርግያ ብምጉዓዝ ለካቲት 11 ኣብ ከተማ ሓውዜን ድሕሪ ዝነበረ ድኻምካ ዘረስዕ ድሙቕ ኣቀባብላ ህዝቢ ምስ ብፆቱ ኮይኑ ሽምዓ ወሊዑ ስውኣቱ ዘከረ። ካብ ህዝቢ ከተማ ሓውዜን ዝረኽቦ ተወሳኺ ስንቅን፤ ሞራልን ብምሓዝ ናብ ካልእ ማእኸል መሰልጠኒ ቦታ ኣምርሐ። ከተማ መጋብ ሰንጢቁ ናብ ውቕሮ ዝወስድ ፅርግያ ሰለስተ ኪ/ሜ ምስተጉዓዘ ኣብ ከባቢ ፅጌሬዳ ማይ ተኽሊ ዝበሃል ቦታ ናይ 100ሜ መዐለሚ ተኹሲ 3 ጥይት ብምውቃዕ ከምኡ’ውን ኣብ ዓዲ ደስታ ዝተብሃለ ቦታ ከዓ ናይ 200ሜ ተወሳኺ ስልጠና ወሲዱ ሰለስቲአን ብምውቃዕ ኮኾብ ኮይኑ ዛዘመ። ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ድማ ናብ ማይ ተኽሊ ተመሊሱ ንኣስታት ክልተ ቅነ ጥምየት፣ ፃምእ፣ ድኻም፣ ናፍቅን ሽግርን ተፃዊሩ ኣብ ሓፂር እዋን ናብራ በረኻ ብምልማድ ታዕሊሙ ወደአ። ካብ ማይ ተኽሊ ተበጊሱ፤ ቆራሪት፤ ዓዲ ደስታ፤ ሳዝ፤ ዓዲ ኣባጊዕ ሓሊፉ ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞን ብዙሕ ውረድ ደይብን ናብ ዛሬማ ዝተብሃለ ቦታ ብምኻድ ንመጀመርታ ግዜ ተጋዳላይ ምግበይ ሃይለ ይመርሓ ናብ ዝነበረት ናብ ሓዳሽ ኣሃዱ ማዕበል ክ/ሰራዊት፤ ሬጅመንት 21 ተፀንበረ። ካብዚ ብምቕፃል ተጋዳላይ ብርሃነ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝዘመተ ሓይሊ እግሩ እግሩ እናርከበ ሕነ ንፁሃት ተጋሩ ንምፍዳይ ዝተውሃቦ ናይ ምክልኻልን ምጥቃዕን ተልእኾ ጀመረ። ናይ ፈለማ ውግእ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ጥቓ ዕዳጋ ረቡዕ ኣሃድኡ ሒዛቶ ኣብ ዝነበረት ናይ ምክልኻል ልእኽቶ መኸትኡ ‘ሀ’ ኢሉ ብምጅማር ተሃንዲዱ ዝመፀ ናይ ሻዕብያን መከላከያን ሓይሊ ንኣስታት 5 ሰዓታት ዝኣክል ብምዕፃው መስተንክር ስራሕ ፈፂሙ ናብ ከተማ ደራ ተመልሰ። ካብ ደራ ናብ ከተማ ኣፅቢ ወንበርታ ብዝነበረ ኣሃዱ ምትዕርራይ ዕለት 29 ለካቲት 2013 ዓ/ም ካብ ምብራቕ ግንባር ናብ ምዕራብ ግንባር ክ/ሰራዊት መቐለ መካናይዝድ ሬጅመንት 2 ወይ ድማ ሞተራይዝድ ሓይሊ 1 ጋንታ 3 ብምፅንባር ካብ ኣፅቢ ወንበርታ ናብ ዔራ እትበሃል መንደር ዴስኣ ድንበር ዓፋር ተበገሰ። ድሕሪ ዝተወሰነ ናይ ዕረፍቲ እዋን እቲ ህላወ ህዝቢ ትግራይ ዘግሃደ ሓያል ኩናት ንምክያድ ቀፃሊ ጉዕዞ ብለይቲ ካብ ዴስኣ ብኣጉላዕ ብምቑራፅ ናብ ኣንፈት ፅጌሬዳ ብትኹል ሓሊፉ ናብ ቶጎጋ ብምስጋር ኣብ ወረዳ ሰሓርቲ ሳምረ ፍሉይ ቦታ ዓዲ ዓውሶ ምስ መበል 29፤ 39፤ 59፤ ክ/ሰራዊታት ሻዕብያ ከምኡ’ውን ምስ መበል 46 መካናይዝድን 525 ኮማንዶ ሻዕብያን ዕለት 11 መጋቢት 2013 ዓ/ም ንሱን ብፆቱን ብዝለዓለ ጀግንነት ብምጥቃዕ፤ ተሃቂኑ ዝነበረ ናይ መወዳእታ ክባ ፀላኢ ፈንፂሖም 15 መኻይን ብምቅፃል፤ (ሓደ ኣዛዚ ሻለቃ፤ 4 ሚልዮን ናቕፋ፤ መኻይን፣ ወዘተ) ማሪኾም ኣብኡ ዝነበሩ ፖለቲካውን ወታደራውን ኣመራርሓ ሓራ ክወፁ እጃሙ ተዋፂኡ እዩ። ብድሕሪ ናይ ሓደ መዓልቲ ወዕሎ ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ/ም ብቶጎጋ ናብ ፅጌሬዳ ተመሊሱ 10 መዓልቲ ምስ ፀንሐ ዕለት 23 መጋቢት 2013 ዓ/ም ጎቦታት ግራዓልታን ተንቤንን ብምስንጣቕ ገረብ ወራዒ ብምሕላፍ፤ ብከባቢ ማእኸል ሰግሊ፤ ጎልጎል ጫሞ፤ ዓዲ ሰራዎት፤ዓውሖ ብምጥሓስ ድሕሪ ክንደይ ውረድ ደይብ ኣይኮነን ንፈታዊኻ ንፀላኢኻ’ኳ ዘይትምነየሉ ፀገማት ተፃዊሩ ኣብ ወረዳ ዓዴት ከባቢ ሰመማ እትብሃል ከተማ ኣዕረፈ። ዕለት 08/08/2013 ዓ/ም ካልእ ክ/ሰራዊት ንምጥያሽ ብዝወረደ መምርሒ መሰረት ካብ መቐለ መካናይዝድ፤ ሬጅመንት 2 ወይ ድማ ሞተራይዝድ፤ ክልተ ሓይሊ ንክኸዳ ስለዝተወሰነ ጅግና ተጋዳላይ ብርሃነ ምስታ ሓይሉ ብምኻድ ካብ ጅራ ውርድ ኢልካ ኣብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ዓዴት ጣብያ ሑመር ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ናብ ኣርሚ 1 ናይ ሎሚ ኣርሚ 11፤ ክ/ሰራዊት ደደቢት፤ ሬጅመንት 2፤ ሓይሊ 1 ጋንታ 3 ተመደበ። ካብዚ ንደሓር ጅግና ተጋዳላይ ብርሃነ ካብ ዕለት 12 ሚያዝያ 2013 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 2፡00 ናይ ንጉሆ ጀሚሩ ከም ኣመሉ መዳፍዑ ብመሬት ብሰማይ እናጓዘመ ብከተማ ኣክሱም ኣቢሉ ናብ ከተማ ዕዳጋ ሰሉስ ይመፅእ ምስ ዝነበረ ማእለያ ዘይብሉ ሰራዊት ሻዕብያን መከላከያ ኢትዮጵያን ንተኸታታሊ ክልተ መዓልቲ ናይ ሓዝ ክሕዝ ኲናት ገጠመ። እንተኾነ ግን ምእንቲ ዓደይን እቲ ለጋስ ህዝበይን ኢሉ ወነን ሕራነን ስለዝነበሮ ስጋ ምስ ታንኪ እናተላተመ ምስ ብፆቱ ንኣስታት 18 ሰዓታት ፍጥነትን ብልሓትን ዝተመልኦ ውግእ ብምውጋእ ኣብ ልዕሊ ፀላኢ ሰፍ ዘይብል ኪሳራ ኣውሪድሉ እዩ። ሓደ መዓልቲ ኣዕሪፉ ካብ ዕለት 15 ክሳብ 17 ሚያዝያ 2013 ዓ/ም እንደገና ንሰለስተ መዓልቲ ውግእ ቀፂሉ ውዒሉ ብፍላይ ኣብቲ ሽዑ እዋን ንምራኣዩ ኣይኮነን ንምስምዑ ዘፀግም ሕድሕድ ገዛ ብቑንቡላ መዳፍዕ ተቓፂሉ ዝሕግዝ ደጀን ህዝቢ ኣብ ዘይነበረሉ ግዜ፤ ጥምየትን ፃምእን ዝፈጠሮ ፀቅጢ ተፃዊሩ ኣብ ወግእ ብምቕናይ ንምእማኑ ዘፀግም ድሙቕ ታሪኽ ሰሪሑ እዩ። ብምቕፃል ብምርሒ ተስሓብ ናብ ኣንፈት ምብራቕ ሰብ ክኸዶ እዩ ኢልካ ዘይሕሰብ ዓቀበት ቁልቁለት መንገዲ እሞ ምስኡ ጥምየትን ፃምእን፤ ፆውራ ዕጥቅን ስንቅን ተሓዊስዎ ጉዕዞ ናብ ጅዋማረ ዓዴት ጣብያ ዓዲሰራው እትርከብ ንእሽተን መንደር ከተማ ፃፅለ ኾነ። ዓመት በዓል ትንሳኤ ብምሕላፍ ሐዚ’ውን ዕረፍቲ የለን ተበገስ ናበይ መልሲ ናብ ናይ ህዝቢ ተልእኾ ኾይኑ ካብ ከተማ ፃፅለ ብምብጋስ ብዳዕሮ ሓፋሽ ወሪድካ ጠላዕ ሰሪሕካ ብላዕ፤ ዕዳጋ በርሀ፤ ብቆላታት ብላንጊ ሰንጢቑ ኣብ ከባቢ መንደር ፍሬማ ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ጉዕዞ ኣትዩ ኣሎ። ሐዚ’ውን ብፃይ ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ብርሃነ ገ/ማርያም ብዝነበሮ ጥንካረን ፍጥነትን ናብ ስልጠና ብሬን ተሓረየ፡ ብሬን ሰልጢኑ ንኣስታት 25 መዓልትታት ዕረፍቲ ብምውሳድ ናብ ኣንፈት ደቡብ ብምምራሕ ብቆላታት ብላንጊ፤ ዓዴት ወይ ሰመማ፤ ዕዳጋ ሰሉስ፤ ጅራ፤ ወርዒ፤ ጫሞ፤ ምውፃእ ወርቂ፤ ሽሉም እምኒ፤ ገረብ ግባ፤ ጅጅቓ፤ ናብ ከባቢ ጣንቋ ምላሽ ምስኣተወ ብዝነበሮ ጥንካረ ካብ መስርዕ ተመልሚሉ ረዳት ብሬን ኮነ። ድሕሪ እዚ ኣብቲ ብሽም ጅግና ራእሲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ዝተሰየመ ‘’ወፍሪ ኣሉላ’’ ፈላማይ 3 መዓልቲ ማለት’ውን ካብ 11 ክሳብ 13 ሰነ 2013 ዓ/ም ኣብ ፍሉይ ቦታ 7 ሕጉም (ኣግበ - ሰለ) ዝተኻየደ ውግእ ልፍንቲ ፈጢሮም ኣብ ልዕሊ ትግራይ ክዕንድሩ ዝፀንሑ ወረርቲ ሓይልታት ካብ ብዙሕ ከባቢታት ትግራይ ተሓጢጦም ንኽወፁ ዕዙዝ ተሳትፎ ነይርዎ እዩ። ከምቲ ዝፍለጥ ኣብዚ ዓውደ ውግእ መበል 11፣ 12፤ 21፤ 23፤ 25፤ 31 ክ/ሰራዊታት ኢትዮጱያ ዝተሳተፋ ኾይነን ሙሉእ ብሙሉእ ብሰራዊት ትግራይ ክድምሰሳ እንተለዋ ዓበይቲ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጱያ ከይተረፉ ዝሞትሉን ዝተማረኹሉን ብርክት ዝበለ ዕጥቅን ስንቅን፤ ተሽከርከርትን ራዲዮ ርክባትን እንትማረኽ ዝተረፈ እግረኛ ሰራዊት ድማ ብኣድግን ብእግሩን ዝሃደመሉ ኩነታት እዩ ነይሩ። ከም ደደቢት ክ/ሰራዊት ድማ ንመጀመርታ ግዜ ዕለት 11 ሰነ 2013 ዓ/ም ኣንጊሃ ሰዓት 11፡00 መጥቃዕቲ ብምፍናው 3 መዳፍዕ፤ 2 ዙ፟-23፤ 5 ዲሽቃ፤ 6 ሞርተር፤ 9 ኦራል፤ ክልተ ፓትሮል ብሓፈሻ 11 ተሽከርከርቲ መኻይን፤ ሓንቲ ዓባይ ተሓንጋጢት ሬድዮ ርክብ፤ ከምኡ’ውን ኣዘዚ 11ኛ ክ/ሰራዊት ኮረኔል ሑሴንን 207 ምሩኻትን ኢድ ብኢድ ዝማረኸት እንትትኸውን ብዚ ዝፈፀመቶ ቅያ ምኽንያት ድማ ብደረጃ ሰራዊት ትግራይ ንፈለማ እዋን ካብ ዶ/ር ደብረፅዮን ናይ የቐንየልና መልእኽቲ ክትረክብ ከኢላ እያ። ከም ውልቅኡ ድማ ኣብቲ ቀዳማይ መዓልቲ ብፃይ ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ብርሃነ ምስቲ መራሒ ሓይሉ ብምዃን ካብ ናይ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ትእዛዝ ወፃኢ ቦምቢ ሒዙ ንቅድሚት ቶጊጉ ብምእታው መንገዲ ዓፅዩ ሰለስተ ኦራላት ክማርኽ ከሎ ኣብቲ ካልኣይን ሳልሳይን መዓልቲ ድማ ኣቦ ብሬን ኮይኑ ብምውጋእ ተቆሪፆም ምስ ዝነበሩ ክልተ ሓይልታት ብምዃን፡ ብክልተ ብሬን 97 ማሪኾም ነፃነት ሽግ ህዝቢ ትግራይ ንኽውላዕ ዓብዪ ተራ ተፃዊቱ እዩ። ኣብዚ ምስ ደደቢት ተሳትፎ ዝነበረን ክ/ሰራዊታት ትግራይ ንምጥቃስ ዝኣክል ቀይሕ ኮኮብ፤ ስዩም፣ ማዕበል፤ ፈንቅል፤ ዕርዲ ትግራይ ወዘተ እየን። ድሕሪ ዓወት ወፍሪ ኣሉላ ካብ ገዛ ካብ ዝወፅእ ኣዋርሕ ኣቑፂሩ ብምንባሩ ናብ ዓዲ ክምለስ እኳ ሃንቀውታ እንተነበሮ፡ ተወሳኺ ናይ ቅድመ ግንባር ክዛዝሞ ዘለዎ ትግራይ መሊእኻ ሓራ ናይ ምውፃእ ዕላማ ተሓንጊጡ ክሳዕ መወዳእታ ክቅፅል ግድን ኮነ። በዚ ምኽንያት ድማ ካልኦት ኣሃዱታት ብመቐለ ገይረን ንማእኸል ሃገር (ኣዲስ ኣበባ) እናገስገሳሉ ኣብ ዝነበራ እዋን ናቱ ኣሃዱ ቀጥታ ካብ ማእኸላይ ትግራይ፡ የጭላ ተንቤን ተበጊሳ ናብ መስመር ዞባ ሰሜን ምዕራብ ብምኻድ፤ ኣብ መንገዲ ወርቂ ኣምባ፤ወርዒ፤ማይቅነጣል ምፍልላይ ዓድዋ ኣክሱም ሽረ ዝነበረ ፀላኢ ሻዕብያ ምስ ብፆቱ ብምዃን እግሪ እግሩ እናሰዓበ ፀራሪጉ ካብ ዓብዪ ዓዲ ክሳብ ዓዲ በራኽ ወይ ድማ ራማ ኣሽምባን ኣቑሑ ክጥርንፍ ሓይሊ ሰቡ’ውን ከይሰብሰበ ዝሕዞን ዝጭብጦን ክሳብ ዝስእን ብምግባር ምስቲ ጭቁን ውፁዕ ህዝቢ ክራኸብ በቂዑ እዩ። ቀፂሉ ድማ ካብ ዓዲ ዳዕሮ ተበጊሱ፤ ሽረ፤ ክሳድ ጋባ፤ ማይ ሓንሰ፤ ብምቁራፅ ዓዲ መሐመዳይ ዝተብሃለ ቦታ ንተልእኾ ህዝቢ ዓዕረፈ፡፡ ብምቕፃል ዕለት 08 ሓምለ 2013 ዓ/ም ካብ ዓዲ መሐመዳይ፤ ማይ ሓንሰ፤ ክሳድ ጋባ፤ ከተማ ሽረ ንፀጋም ገዲፍካ እንዳባ ጉና፤ ዓዲ ገብሩ፤ ከም ጀልባ ምስ ውሕጅ ሩባ ተከዘ እናተላገዐ ተሳጊሩ፤ እምባ ማድረ ሕልፍ ኢሉ ኣብ ማይ ዳጉሻ ዝበሃል ቦታ ድፋዕ ሓዘ። ብድሕሪ’ዚ መምርሒ ብምቕያር ተበገስ ተባሂሉ ካብ ማይ ዳጉሻ ብማይ ፀብሪ ሕልፍ ኢልካ ቡያ ኣብ ዝበሃል ቦታ ካብ 15 ሓምለ 2013 ዓ/ም ክሳብ 16 ሓምለ 2013 ዓ/ም ንተኸታታሊ ክልተ መዓልቲ መራሒ ጋንታ ኮይኑ ብሬን ሒዙ እናተዋገአ እናዋገአ ብዝገርም ጀግንነት ዕለት 17 ሓምለ 2013 ዓ/ም ዓዲ ኣርቃይ ሙሉእ ብሙሉእ ተቆፃፂሩ እዩ። ድሕሪ’ዚ ኣብ በሪ ማርያም ንእሽተን ዕረፍቲ ምስ ገበረ ናብ ጨው በር ብምቕፃል ንኣስታት ክልተ ሰሙን ዝኣክል ዕረፍቲ ብምግባር ሐዚ’ውን ተልእኾ ኾይንዎ ኣይመሬተይን ኣይዓደይን ከይበለ ዕለት 08 ነሓሰ 2013 ዓ/ም ካብ ዛሬማ ክሳብ እግሪ ሊማሊሞ ኣብ ዝነበረ ህልኽካ ዘወድእ ውግእ ብፃይ ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ብርሃነ ገ/ማርያም ንክልተ መዓልቲ ብዘይዕረፍቲ ለይትን ቀትርን ብምውጋእ ዕለት 09 ነሓሰ 2013 ዓ/ም ድፋዕ ዛሬማ ክስበር መዘና ኣልቦ ጅግንነት ፈፂሙ እዩ። ብድሕሪ‘ዚ ከዓ ሐዚ’ውን ይኾነኒ ከይበለ ብላዕለዎት ኣመራርሓ ካብ ፅርግያ ወፂኡ ካበይ ናበይ መልሱ ትግራይ ንምዕዋት ሰብ ኣይኮነን ጃልባ ክትሰግሮ ኢልካ ዘይሕሰብ ውሕጅ ተሳገረ፡ ሰብ ኣይኮነን ህበይ ክድይቦ’ዩ ዘይበሃል ዓቀበትን ቁልቁለትን ሓሊፉ እሞ ምስኡ ቁሪ፤ ብሬን ኣብ ማእገሩ ተሸኪሙ ድሕሪ ለይትን ቀትርን ጉዕዞ ኣብ ሰዓቱን ኣብ ግዚኡን ኣብቲ ዝድለ ቦታ ብምብፃሕ ዕለት 12 ነሓሰ 2013 ዓ/ም ናብቲ ትምክሕተኛ ሓይሊ ተፀጊዑ ሓደረ። ካብ ዕለት 13 ነሓሰ 2013 ዓ/ም ኣብ ናይ ፊትንፊት እትርከብ ቦዛ ማርያም ልክዕ ሰዓት ሓደ ውግእ ጀመረ። ሐዚ'ውን መሬት ኣምሓራ ስለዝኾነ ምግብን ማይን ዘቕርብ አይነበረን። ይኹን'ምበር ብዚ ከይተሰኮነ እቲ ፅኑዕ በዓል መትከል ጀግና ተጋዳላይ ብርሃነ ገ/ማርያም መረሳ ምእንቲ ዓዱን ህልውና ህዝቢ ትግራይን ዝነበሮ መማረፂ ካብ ዝበሰለ ድንሽ ወፃኢ ካሊእ ከይጠዓመ ካብኡ ዝፅበ ኩሉ እናፈፀመ ምስ ብፆቱ ኮይኑ ፀላኢ ዝሓልፈላ ፀባብ መንገዲ ብምዕፃው ኣስታት 600 ሰራዊቱ ናብ ገደል ክፀድፉን ክድምሰሱን ብምግባር ከምኡ ድማ ኣብ ትግራይ ግፍዒ ክፍፅም ዝፀንሐ ኣዛዚ ክ/ሰራዊት ብምቕታል ሕነ ንፁሃት ተጋሩ ክፈዲ ክኢሉ እዩ። እቲ ውግእ ቀፂሉ ክሳብ ዕለት 16 ነሓሰ 2013 ዓ/ም ለይትን ቀትርን ብዘይዕረፍቲ ንቕንቕ ከይበለ መሬት ሒዙ ሓንቲ ንክልተ ተዘይኮይኑ ሓንቲ ንሓደ ጥይት ምብኻን እዩ ብምባል ዝተውሃቦ ልእኽቶ ፈፂሙ እዩ። ብምቕፃል ድሕሪ ንእሽተን ዕረፍቲ ከዓ ሐዚ'ውን ተበገስ ናበይ ንጎንደር ዝብል መልሲ ሒዙ ዘይስገሩ ዝመስሉ ሓባጥ ጎባጥ ጎቦታት፤ ሽንጥሮታትን ሩባታትን፤ ሓያል ቁርን ጭቃ ክረምትን ተፃዊሩ ብምስጋር ናብ ኣንፈት ሰሜን ጎንደር ይጓዓዝ'ሞ ብሞንጎ ደባርቕን ዳባትን ኣብ ጭና ንዝዓረደ ዕርዲ ፀላኢ ካብ ዕለት 25 ነሓሰ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ብዘይምንም ዕረፍቲ ንክልተ መዓልቲ ዝኣክል ለይትን ቀትርን ብመሬት ቁንቡላ ብሰማይ ቁንቡላ ብሬን ምስ ታንኪ ገጢሙ ኣዛዚ ጋንታ ብሬን ኮይኑ እናተዋገአ እናዋገአ ምስውዓለ ዕለት 26 ነሓሰ 2013 ዓ.ም ኣጋምሸት 11:00 ሰዓት ዝኸውን ካብ ውግእ ውፅዩ ኣብ ሓደ ፅላል ኣኼባ ወዲኦም ክብተኑ እንትብሉ ካብ ርሑቕ ዝተተኮሰት ሞርተር ጥይት ፀላኢ ኣብ ሞንጎኦም ስለዝዓለበት ኣብ ጭና ከባቢ ዳባት ዕሸል ንእስነቱ ከይሰሰዐ ፊት ግንባሩ ንፀላኢ ብምግጣም እታ ሓንቲ ግዜ ምስተፈጠረት ዘይትትካእ ህይወቱ ምእንቲ ውፁዕ ህዝቡን ክብሪ ዓዱን ክብል ኣብ መበል 21 ዓመቱ ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ። ናይ ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ብርሃነ ገ/ማርያም ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣብ ክልል ኣምሓራ ወረዳ ዳባት ፍሉይ ቦታ ቤ/ክርስትያን ጭና ተ/ሃይማኖት ብብፆቱ ብኽብሪ ተፈፂሙ። ዳግማይ ቀብሪ ኣጎበር ድማ ዕለት 03/02/2015 ዓ/ም ኣብ ትውልዲ ዓዱ ጣብያ ስንቃጣ ጎልጎል ሰርዶ መላእ ቤተሰብን መሓዙቱን ኣብ ዝተረኸብሉ ተፈፂሙ። ስውእ ጅግና ተጋዳላይ ብርሃነ ገ/ማርያም ኣብ ታሪኽ ሰራዊት ትግራይ ሓደ ካብቶም ኒሕን ሓቦን ሰኒቆም ምስቶም ናይ ቁፅርን ተተኳስን ልዕልነት ዝነበሮም ሽሾ ሰራዊት ፀላኢ ማለት’ውን ሰራዊት ሻዕብያ ፤ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፣ ፍሉይ ሓይሊ ክልላትን፤ ምልሻ ኣምሓራ፤ ፋኖን፤ ድሮን ዓረብ ኢምሬትን ገጢሞም ግቡኦም ዝፈፀሙ ተጋደልቲ እንትኸውን፡ ብሓፈሻ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ኣዋርሕ ልዕሊ ትሸዓተ ዓበይቲ ዓውደ ውግኣት ብዝለዓለ ጅግንነትን ተወፋይነትን ዝተዋገአ ተባዕ ተጋዳላይ እዩ። ኣብ ውልቃዊ ህይወቱ ድማ ብወለዱ ዝተመስገነ፤ ምእዙዝ፤ዓቃል፤ የዋህ ሰብ ክፅገም ዘይደሊ፤ ርህሩህ፤ ሱቕ በሃሊ ነገር ግን ምስ ዝቀራረቦ ሰብ ሰሓቓይን ተፃዋታይን ነይሩ። ከም ምስክርነት ብፆቱ ድማ ኣጆኻ ኣጆኺ’ምበር ደኺመ ፀሚአ ዘይብል፤ ብፃያዊ ሓልዮት ዝመልኦ መኽበሪ ሰብ፤ ብቀሊሉ ተስፋ ዘይቆርፅ፤ ኣነ ተኣዛዚ ኮይነ ክሰርሕ ደኣ’ምበር ሰብ ኣይእዝዝን ብምባል ፍፁም ስልጣን ዘይፎቱ፤ ብመንነቱ ዘይዳነ ጸኑዕ ወዲ ህዝቢ ከምዝነበረ ይገልፁ። ዘይወለደ ሰብ ታሪኽ እዩ ውላዱ! ፅንዓት ንመላእ ስድራቤት፣ መሓዝቱን መቓልስቱን! ዘለኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ሰማእታትና! ምስጋና፡ •ንወዲ ሃይለ፡ ኣብ ኣርሚ 11፤ ደደቢት ክ/ሰራዊት፤ መራሒ ሓይሊ እዩ። ናይ ብርሃነ ጀግንነት ብፍላይ ኣብ ዓዲ ዓውሶ፤ 7 ሕጉም፤ ዓዴት፤ ዓዲ ኣርቃይ፤ ዛሬማ፤ ቦዛ ማርያም፤ ዝፈፀሞ ቅያ ዘይርሳዕ ምዃኑ እዩ ዝዛረብ። •መበቆሉ ኣብ ማይለባይ ዝኾነ ሞኽሹኡን መጓይይቱን ተጋዳላይ ብርሃነ ተኽላይ ኣርሚ 17፡ ነዚ ብዛዕባ ናብ ታዕሊም ዝወረዱሉ መዓልትን ኣብ ሓደ ኣሃዱ እናሃለዉ ዝሰርሖ ታሪኽን ዘዘንተወልና እዩ።